ኢትዮጵያ መትከላት ስምምዕነት ጀኔቫ ተኽብር ኢያ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 1949 ዓ.ም.ፈ ዝተፈተመ መትከላት ስምምዕነት ጀኔቫ ብኣግባቡ ተኽብር ኢያ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣርባዕቲኦም ስምምዕነታት ጄኔቫ  መበል 75 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብዚ እዋን ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኮከስ ስራሕ ጀሚሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብተወካሊኦም ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቶም ስምምዕነታት ኣብ እዋን ዕጥቂ ጎንፂ ሰብኣዊ ክብሪ ወዲ ሰብ ንምሕላው ዝተገበረ ስምምዕነት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ዝኽሪ ጉባኤ ጄኔቫ ሰብኣዊ ሕግታት ዘበናት ተሻጊሮም ተግባራዊ  ዝግበሩ ሌጋሲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እዞም ስምምዕነታት ክኽበሩ ከምዘለዎም  ብኣፅንኦት ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment