ኢትዮጵያ መባፅቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መባፅቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ ገሊፀን።

“ብቴክኖሎጂ ሓያል ንምዃን ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዕዞ” ብዝብል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ መደረ ዘስመዓ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንቕድሚት ንኽትስጉም እናተሰርሑ ዘዝርከቡ ስራሕቲ ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

መመሓየሺ ቴሌኮም፣ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም፣ ኣዋጅ ትራንዛክሽን ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣዋጅ ትካላት ጀመርቲ ቴክኖሎጂ፣ ኣዋጅ ውልቀ ሓለዋ ዴታ፣ ዲዚታል መለለዪ መንነት፣ ቅልጣፈ ስራሕን ስታራቴጂ ኢ-ክፍሊትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትኹት እናሰርሐሎም ዘዝርከቡ ስራሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣመራርሓታት ትካላት ቴክኖሎጂ፣ ሓለፍቲ ትካላት ፋይናንስን ባንኪን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment