ኢትዮጵያ መመሓየሺ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ሓቃዊ ውክልና ኣፍሪካ ብዘረጋገፀ መገዲ ንክፍፀም ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መመሓየሺ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ሓቃዊ ውክልና ኣፍሪካ ብዘረጋገፀ መገዲ ንክፍፀም ሓቲታ።

ሚኒስት ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ናይ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ  ናይ ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኢኒሼቲቭ ዝኾነ ለዕሊ 140 መራሕቲ ሃገራት ዝሳተፍሉ ናይ ቀፃሊ ጉባኤ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ሚኒስትር፥ መመሓየሺ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ሓቃዊ ውክልና ኣፍሪካ ብዘረጋገፀ መገዲ ንክፍፀም ሓቲቶም።

እቲ ቤት ምኽሪ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ናይ ኣፍሪካ ውክልና ኣድማስ ካብ ኩሉ መመዘኒታት መንፅር ተሓሳቢ ክገብር ከምዝግባእ ሓቲቶም።

እቲ ስምምዕነት ኩለን ሃገራት ብማዕረ ዓይኒ ዝርእይ ጊዘ ዘይስዕሮ ቻርተር መጣየሺ ውሕመ እንተይተሸራረፈ ንክትግበር ንምግባር ግድኡ ንክፃወት ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment