ኢትዮጵያ መለክዒ ሞያ እንተያማለአ ዝተሰናደአ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ንኽቃወሙዎ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ትሕቲ ደረጃ ዝኾነ ፀብፃብ መለክዒ ሞያ እንተየማለአ ዝተሰናደአ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኽቃወሙዎ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጄኔቫ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውሕመን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ጎንፂ ስዒቡ ክህልዉ ዝኽእሉ ጥሕሳታት ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ብምግባር ፀብፃብ ምውፅኡ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ፌዴሪኢ እውን እቲ ሓበራዊ ፀብፃብ ምርመራ ዘቐመጦም ምኽረ ሓሳባት ብምቕባል ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ብምጥያሽ ጭቡጥ ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ብመሰረት ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝምቹ ኩነታት ንምፍጣር ምስርሑን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዘልዐለ እውን ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንዘይተገደበ እዋን ጎንፂ ጠጠው ብምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብዝተቐላጠፈ መልክዑ ንኽቐርብ ከምዝገበረን ኣብቲ ክል ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዝነበረን ኣመልኪቱ።

ኣብ ማእኸል እዚ ኩሉ ፃዕሪ ኣቀዲሙ ፖለቲካዊ ዛዕባ ተሓንጊጡ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ÷ ካብ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብምውፃእ ሜላ ኣፀናንዓን ሞያን ውሕመ እንተይተኸተለ ገይረዮ ዝበሎ ውፅኢት ምርመራ ከምዘሰናደአ ገሊፁ።

እቲ ምርመራ ቅድም ክብል ዝተኻየደ ሓበራዊ ምርመራ ዘይሸፈኖም ቦታታትን እዋንን ጥራሕ ሸፊኑ ክካየድ እናተገበኦ ካብዚ ብዝዘለለ መልክዑ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ንምዕዋት ዝምችዎ ኩነትን ግዘን ጥራሕ ፈልዩ ከምዝተፀንዐ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መሬት ዘሎ ትኽክለኛ ኩነታት ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ንኽምርምር ዝቐረበሉ ዕድል ኣብ ክንዲ ዝጥቀም ብርሕቐት ምርመራ ንምግባር ብምፍታን ካብ ሞያ ዝወፅ ተግባር ከምዝፈፀመ ኣብቲ መግለፂ ፀሪሑ።

እቲ ፀብፃብ ብብዙሕ መለክዒ ዘይተማለአ ውፅኢት ምርመራ ከም ፀብፃብ ክውሰድ ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምሽፋን ክብል እቲ ጉጅለ ዝፈፀሞም ዘስካሕኽሑ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ካብቲ ምርመራ ከምዘየካተቶም ኣመልኪቱ።

ብህወሓት ዝተፈፀመ ገበን ኲናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኮነ ኢሉ ክወፅኡ ምግባሩ ሓደገኛ ገበን ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰባት ንኽሕሉ ዝተጣየሸ ሓይሊ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ እቲ ሓይሊ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያዝሕሉ ኢዩ ኢሉ ።

ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ከምዘይዕገስ እውን ኣብሪሁ።

“ብውልቀ ሰባት ዝለዓል ዝኾነ ይኹን ሽም ሰራዊት ምክልኻል ዘጥፍእ ተግባር መበገሲ ክኸውን ኣይኽእልን” ኢሉ።

ስለዝኾነ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ካብ ደረጃ ንታሕቲ ዝኾነ እቲ ፀብፃብ ንኽቃወሙን እዋን ስራሕ እቲ ኮሚሽን ንምንዋሕ ዝቐርብ ሓሳብ ውዱቕ ንኽገብርን ሓቲቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment