ኢትዮጵያ ሕዚ ዝገጠማ ፀገም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚን ጥበብን ዘለዋ ሃገር ኢያ – ዶ/ር በለጠ ሞላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ሕዚ ዝገጠማ ፀገም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚን ጥበብን ዘለዋ ሃገር ኢያ” ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄነሪስ ሉንዱኪስት ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢኖቬሽንን ካልኦትን እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ስዊድን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ ዝደንፈዐ ልምዲ ዘለዋ ሃገር ስለዝኾት፥ ኢትዮጵያ ነዚ ልምዲ ክትወስድ ከምትደሊን ሓገዝ ከምዘድልያን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄነሪስ ሉንዱኪስት ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ዓውዲታት ቴክኖሎጂን ፈጠራ ስራሕን፣ ትምህርቲን ሕርሻን ንኢትዮጵያ ንምድጋፍ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 13 ኩባኒያታት ስዊድን ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ብወገን ስዊድን ዘሎ ስግኣት ኣልዒሎም።

ዶክተር በለጠ ሞላ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ሕዚ ዝገጠማ ውሽጣዊ ፀገም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚን ጥበብን ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ነቶም ኣምባሳደር ከምዘረጋገፁሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment