ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ኣብ ቀፃሊን ብመስዋእትነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) “ኢትዮጵያ ሎሚ ይኹን ኣብ ቀፃሊ ብመስዋእትነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ” ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ብሓራዊ ተጋድሎ ዶባን ሰንደቓን ናይ ምኽባርን ታሪኽ ናፅነትን ናይ ዘለዎም ህዝቢታት ሃገር ከምዝኾነት ኣፍሊጡ፡፡

“በቢእዋኑ ዝኽፈል መስዋእትነት እናኸፈሉ ክብራን ሰንደቓን ሓፍ ዘብሉ ጀጋኑ ደቃ ዝነበሩዋ፤ ሕዚ እውን ኣለዉዋ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ክህልዉዋ ኢዮም” ኢሉ፡፡

ሃገሮም እንትትንካእ ከካብኣንፈቱ ተኣኻኺቦም ብሓባር ሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገሮም ምሕላው ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝቐፀለ ዘኹርዕ ታሪኽ ኢትዮጵያዊያን ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

ፋሽስት ጣሊያን ኣብ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበፅሖ ናይ ዓድዋ ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ብ1928 ዓ.ም ፈተነ ዳግም ወራር ከምዝገበረ ዘዘኻኸረ እቲ ግልጋሎት÷ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝፀንሐ ወራሪ ፋሺስት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክፀንሕ ዝኸኣለ ኣብ ረመፅ ጠጠው ከምዝበለ ኮይኑ በቢቦትኡ ጀጋኑ ሓርበኛታት እናተቆለወ ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡

ብኣንፃሪ ድማ መራሒ እቲ ፋሺስት ግራዚያኒ ተደላዲሉ ዝተቐመጠ ንምምሳል ዘይተቛረፀ ፈተነ ይገብር ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣካል እዚ ተግባር ፈተነ ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ መርሃ ግብሪ ኣሰናዲኡ ከምዝነበረን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያዊያን ሓርበታት ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ቦምቢ ከምዝፈፀሙ ኣዘኻኺሩ፡፡

ናይ ዓድዋ ስዕረቱ ሕነ ንምፍዳይ ተወሳኺ ሰበብ ዝረኸበ ፋሽስት ኣብ 12 ለካቲት 1929 ዓ.ም ጨፍጫፍ ከምዝኣወጀን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ልዕሊ 30 ሺሕ ንፅሃን ከምዝተጨፍጨፉን ገሊፁ፡፡

እዚ ግፍዒ ሎሚ ዘበን መበል 87 ዓመት ከምዝኾኖ ብምሕባር፤ በቢዓመቱ ድማ ንኢትዮጵያ ብደሞምን ዓፅሞምን ዘፅንዑ ጀጋኑ ንምሕሳብ ከምዝዝከር ኣፍሊጡ፡፡

“ኢትዮጵያውያን ዕድመ፣ ፆታ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር እንተይፈለየ ብግፍዒ ንስለኢትዮጵያ ዝተሰውኡሉ ዕለት ስለዝኾነ ክንዝክሮ ኢና” ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ናፅነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዘኽብሩ፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዘፅንዑ፣ ብምግቢ ርእሳ ብምኽኣል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፁ ኣብ ሓበራዊ ታሪኾም ዝፀንዑ ሓርበኛታት በቢዓውዱ እናውፀአት ትርከብ፤ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ናይዚ ብሄራዊ ሓርበኝነት ኣካል ንኽኸውን እውን ፃውዒት ተቕርብ” ኢሉ፡፡

“ብዓወትናን ናፅነትናን እናኾራዕና ዝተኸፈለ መስዋእተነት እናዘከርና ዝተሓፈረትን ዝኸበረትን ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ክነሰጋግር ኢና ኢሉ” እቲ መግለፂ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment