ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝካየዱ 3 መፃረዪ ውድድራት ክትሳተፍ ኢያ።
ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዝሳተፋሉ መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ፣ 5 ሺሕ ሜትሮ ከምኡ እውን 3 ሺሕ ሜትሮ መኽንኩሎ ክካየዱ ኢዮም፡፡
ረፋድ ሰዓት 5፡05 መፃረዪ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትሮ፣ ምሸት ሰዓት 2፡02 ድማ መፃረዪ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ከምኡ እውን ምሸት 2፡53 3 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መኽንኩሎ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡
ኣብ መፃረዪ ፀወታ 800 ሜትሮ÷ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ፣ ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰን ኣትሌት ትእግስት ግርማ ክሳተፋ ኢየን፡፡
ብ5 ሺሕ ሜትሮ ድማ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ኣትሌት መዲና ኢሳ፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬን ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡
ብካሊእ መዳይ ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ኣትሌት ሎሚ ሙለታ፣ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ኣትሌት ዘርፌ ወንድማገኝን ክሳተፋ ኢየን፡፡
ኢትዮጵያ ብ1 ወርቂ፣ 3 ብሩርን 2 ነሓስን ሜዳሊያታት ብምእካብ ካብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርጀብ፡፡
ኣሜሪካን እስፔንን ብቕደም ሰዓብ ነቲ ደረጃ እመርሐኦ ይርከባ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com