ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዘሐምበበታ ሳተላይት ንመናእሰይ ልዑል ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ-ወ/ሮ ያለም ፀጋይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዘሐምበበታ ሳተላይት ንመናእሰይ ልዑል ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወ/ሮ ያለም ፀጋይ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር ነዚ ዝበላ፥ መድረኽ ዘተ “ዩዝ ኮኔክት ኢትዮጵያ” ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት፣ ኣዲስ ኣበባ እንትጅምር ኣብ ዘቕረብኡ መደረ ኢዩ።

ወ/ሮ ያለም ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ መናእሰይ ንሃገሮም ልምዓትን ሰላምን ክሰርሑ ይግባእ ኢለን።

መንግስቲ ብግድኡ፥ ፀገም ስእነት ስራሕ መናእሰይ ንምፍታሕ ዓሊሙ ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢረን።

ፕሮግራም ዩዝ ኮኔክት፥ ምትእስሳር ኣፍሪካውያን መናእሰይ ንምጥንኻር ዓሊሙ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2012 ብፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካ ጋሚ ዝተጀመረ ኢዩ።

ስለዚ እቲ ፕሮግራም ኣብ ኢትዮጵያ እንትጅመር፥ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ዴሞክራሲን እዛ ሃገር ዘለዎም ግደ ንክዓቢ፣ ምቹው ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምምዕባል፣ መናእሰይ ዓመት ሙሉእ ብሰናይ ተበግሶኦም ኣብ ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ንክዋፈሩ ንምግባር፣ መናእሰይ ንኣመራርሓ ምብቃዕን ማዕርነት ፆታ ንምርግጋፅን ዝዓለመ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment