ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታ ንዝተዳፈሩ አሕፊራ መሊሳ ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታ ንዝተዳፈሩ አሕፊራ መሊሳ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ዝብል ሽም ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ብቀጥታ ምስ ክብሪ፣ ዓዚዝካ ምርካብን ናፅነትን ዝተተሓሓዘ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንዘበና ሉኣላዊነታ ሓሊያ ካብ ምፅናሓ ሓሊፉ፤ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር ወራር ፈፂማ ከምዘይትፈልጥ ኣወኻኺሮም፡፡
“ይኹን እምበር ሉኣላዊነታ ንዝተዳፈሩ አሕፊራ መሊሳ ኢያ፤ ክትምለስ ኢያ እውን፤ እዚ ድማ ብሓበራዊ ፃዕሪ ደቃ ዝፀንዐ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment