ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታን ናፅታን ንምሕላው ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፍ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታን ናፅታን ንምሕላው ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፍ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ያንይ ዪ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ያንይ ዩ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ያን ዪ ኣብቲ እዋን፥ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታን ናፅታን ንምሕላው ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሃገሮም ቻይና ብዕቱብ ከምትድግፍ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ብግቡእ ክሕዝ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም ከምዘኣምኑ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ሃገሮም ብሽፋን ሰብኣዊ መሰል ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነት ከምትቃወም ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘሓቁፍ ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባር ብሄራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ክድግፍ ኢዩ ዝብል እምነት ቻይና ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሚኒስትሩ ሃገራቸው ከኢትዮጵያ ጋር በዓለም አቀፉ መድረክ የምታደርገውን ትብብር አጠናክራ ትቀጥላለች ማለታቸውን ሲ ጂ ቲ ኤን ዘግቧል።

ኢትዮጵያ እውን ንኹሉ ዘሓቁፍ ስትራቴጂ ምትሕብባር ኢትዮ ቻይና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ቆራፅ ምዃና ምግላፆም ሲጊቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment