ኢትዮጵያ ሃፍታ ናይ ምልማዕ ሙሉእ መሰል ኣለዋ – ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ምስ ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ደቡብ ሱዳን ማናዋ ፒተር ጋትኩት ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ነቢል ኣብ ዘተኦም ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥንኩር ምሕዝነት ዘለወን ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚን ልምዓትን ብዝበለፀ ምትእስሳር ከምዘድሊ ነቶም ሚኒስትር ገሊፆምሎም።

ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ኩነታት ዝምልከት ገለፃ እውን ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ኣብ ታሕተወቆት ተፋሰስቲ ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰለስተኣዊ ድርድር ንኽፍታሕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ድሌት ገሊፆም።

ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር መፋስስቲ ሃገራት ናይል ደቡብ ሱዳን ሓዊሱ ንተፋሰስ ሃገራት ጠቓሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ማናዋ ፒተር ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ጥንኩር ሓገዝ እናገበረት ከምዝኾት ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ድማ መንግስቶም ኢትዮጵያ ሃፍታ ናይ ምልማዕ ሙሉእ መሰል ኣለዋ ኢሉ ከምዘኣምንን ምስ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ብድርድር ምፍታሕ ከምዝግባእን ገሊፆም።

ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስቲ ሃገራት ናይል ብዝምልከት ኣብ ቀራባ እዋን ፓርላማ እታ ሃገር እንትኽፈት ከምዝፀድቕ ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment