ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ንተጠቀምቲ ንምብፃሕ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ንተጠቀምቲ ንምብፃሕ እናሰርሐት ምዃና ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም።

ብኣሰናዳእነት ትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ ፍኖተ ካርታ ማይ ኢትዮጵያ ተሞክሮኣ ኣካፊላ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ዘቕረቡ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ፥ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ ስርዓት ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ብፍትሓውነት ንተረባሕቲ ንምብፃሕ እናሰርሐት ምዃና ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰርን ሕፅረት ማይ ክፃወር ዝኽእል ክላስተር ስርናይን ተግባራዊ ምግባራ ሃፍቲ ማይ ንኽምዕብል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ኣብሪሆም፡፡

ካብ መንግስቲ ብዝምደብ በጀትን ብመሓዙት ልምዓት ኣቢሉ ዝግበር ሓገዝን ዜጋታት ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ልምዓት ኢነርጂ ኣብ ሓምለዋይ ሓይሊ ትኹረት ገይራ እናሰርሐት ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ሓይሊ ማይ ብምፍልፋል ንጎረባብቲ ሃገራ ናይ ምክፍፋል ተግባራት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ምሕባሮም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment