ኢትዮጵያ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ንዘምጉዳእ  ቃላ እተኽብር ሃገር እያ – ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣሓት ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ንዘምጉዳእ  ቃላ እተኽብር ሃገር እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ አሕመድ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተኣማንነትን ዝኣተውዎ ቃል ምኽባርን እወንታዊ ባህሪን ቀንዲ መግለፂ ባህሊ ኢትዮጵያውያንን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምትእምማን ዘይትንዕቕን ጎረባብታ ንምጉዳእ ዘይትሓስብን ሃገር ምዃና ክነረጋግፅ ንክእል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መልእኽቶም፥ ተፋሰስ ኣባይ ታሕተዎትን ላዕለዎትን ሃገራት ተፋሰስ ንሺሕ ዓማውቲ ዘተኣሳሰረ ገመድ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ፈጣሪ ዝተውሃበ ፀጋ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓባር ንምልማዕን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ልዑል ባህጊ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ካብ ምልማዕን ዝተፈላለዩ ተብሓታት ካብ ምሃብን ብተወሳኺ ህዝብታት ሃገራት ተፋሰስ ኣዛሚዱ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

“ነብዩ መሓመድ (ሰዐወ) ንሰዓብቶም ሰላም ናብ ዝነገሰሉ ምድሪ ሓበሻ ኪዱ፤ ንጉሶም እውን ንዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይንዕቕን ዘይብድልን ኢዩ” ዝበልዎ ብምዝኽኻር፥ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ይኹን ዘይትጎድእን ካብ ትሕዝቶኣ ብምክፋል ብሓባር ንምምዕባል ፃዕሪ እትገብርን ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም።

 

ብድምር ባህጊ ኢትዮጵያ ሃገራት ተፋሰስ ዘማእኸለ ምዕባለ ንምምፃእ ብሓባር ምስራሕ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፅንኦት ሂቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment