ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣስ ኣበባ ሰለተኣዊ ዘተ ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ሰለተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ 29ን 30 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ኣብ ኣስ ኣበባ ከካይዳ ኢየን።

እቲ ዘተ፥ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ፥ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣላቕቓን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝሳለጥ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካይሮ፣ ካርቱም ከምኡ እውን ኣብ ዋሸንግተን ምስላጡ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment