ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማሊያን ኣብ ኮሪደር ጁባላንድ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ኣገባብ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማሊያን ኣብ ኮሪደር ጁባላንድ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ኣገባብ ተዛቲየን።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብቲ ቀጠና ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ፀላኢ ዝተላዘባ እንትኾና፥ ኣብቲ ቀጠና ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲአን።

ኣዛዚ ሴክተር ክልተ ብርጋዴር ጄኔራል ጄማ፣ ምክትል ኣዛዚ ሴክተር ሽዱሽተ ኮሎኔል ማኩርጋ ፓናርድ፣ ዋና ኣዛዚ ሓምሻይ ሞተራይዝድ ኮሎኔል አሰፋ መኮንን፣ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ክልል ጁባላንድን ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራል ኤስ ኤን ኤ ከምኡ ‘ውን ሓለፍቲ ዓውዲ ፀፅታ ጁባላንድ ኣብቲ ዘተ ተረኺቦም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ጁባ ላንድ ማህሙድ ሰይድ ሶማሊያ፥ ኢትዮጵያን ኬኒያን ኣሕዋት ሀዝቢ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዋሰንቲ ዶባት ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ ናይ ሓባር ፀላኢ ዝኾነ ኣልሸባብ ብሓባር ምቅላስ ይግባእ እወን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment