ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳሚ ሹክሪን ሚኒስትር ማይን መስኖን ግብፂ ሞሃመድ ኣብዱል ኣቴህ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትር ማይን ሱዳን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብኮንፈረስ ቪዲዮ ተሓጊዙ እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ዘተ፥ ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን ናብ ስራሕ ኣብ ዝእተወሉ ማዕቐፍ ድርድር ዘተኮረ ከምዝኾነ ታውቋል።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment