ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ሰለስተኣዊ ዘተ የሳልጣ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ግብፂን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ሰለስተኣዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ የሳልጣ ኣለዋ።

ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝተራኸቡ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት፥ ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳ ማይ  እቲ ግድብ ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

እቲ ዘተ ብባንኪ ዓለምን ኣሜሪካን ተዓዛቢነት ካብ ዝሳለጡ ኣርባዕተ ኣኼባታት ሳልሳይ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካይሮ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዋሸንግተን ተሳሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment