ኢትዮጵያውያን ካብ ኢድ ኣታውነት ግዳማውያን ናፃ ብዝኾነ መልክዑ ንምይይጥ ዕድል ክንህብ ይግባ – ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ንምይይጥ እኹል ዕድል ብምሃብ ንጎንፅን ዘይምርድዳእን ኢሉ እውን ክሳብ ኲናት ንዘብፅሕ ፀገም ዘቃልዑ ኩነታት ዕልባት ንክረኽቡ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።

ካብ ኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ናፃ ብዝኾነ መልክዑ ብምይይጥ ፀገማቶም ምፍታሕ ዝኽእሉሉ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ እውን ዶክተር ቢቂላ ገሊፆም።

ብዘይ ዝዀነ ኢድ ኣእታውነት ኮፍ ኢልካ ንምምይያጥ ዕድል ምፍጣር ኣገዳሲ ዝበሉ እቶም ሓላፊ÷ ኢትዮጵያውያን ዛዕባታቶም እናቐረፁ ክዛተዩ ከምዝግባእን እቲ ከይዲ ድማ ፀገማቶም ምፍታሕ ዝኽእሉሉ ዕድል ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ፀገማቶም ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕሚ፣ ብቕዓት፣ ስነ-ልቦናን ዝፀንሐ ባህልን ከምኡ እውን ፀጋ ኣብ ውሽጢ ኩሎም ብሄራት፣ ኣብ ውሽጢ ኩሎም ሃይማኖታት ዘሎ ፅቡቕ ሃብቲ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ መሰረታዊ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎም፥ ንጎንፅን ዘይምርድዳእን ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ፣ ኣብ ቀፃሊ ነቲ ሃገረ-መንግስቲ  ፈተና ክዀኑ ዝኽእሉን በብእዋኑ ሰባት ናብ ጎንፅን ምቅርሓንን ከእትዉ ዝኽእሉ ጉዳያት ከምዘለዉ ጠቒሶም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘየረዳድኡ ጉዳያት ሰፊሕ ጊዜ ወሲዶም እንተዝመያየጡሎም ኣብ ምስምምዕ ክብፀሐሎም ከምዝኽእል ዶክተር ቢቂላ ኣመላኺቶም።

እዞም ንጎንፂ መበገሲ ዝዀኑ ነገራት ብዘይ ዝዀነ ፀገም ናብ ቅድሚት መፂኦም ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ዛዕባ ብምግባር ንምይይጥ ኣቕሪብካ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝዀነ ኢድ ኣታውነት ሰፊሕ ጊዜ ወሲዶም ዝመያየጡሎም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እዞም ሃገራዊ ኣጀንዳታት ክንዲ ዝዀነ ይኽበዱ ኣብ መብዛሕቲኦም ብምይይጥ ምርድዳእ ይከኣል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment