ኢትዮጵያውያን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝብና ንምጥያሽ ዘኸእል ኢዩ – ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“መላእ ኢትዮጵያውያን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝብና ንምጥያሽ ዘኸእል ኢዩ ክብሉ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ ማሕበር ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ሕጊን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብርን ሓገዝ ዓይነትን ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣረኪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ከምዝገለፁዎ፥ “እቲ ወራሪ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፀሖ ጉድኣት ልዑል ይኹን እምበር ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ተጎዳእቲ ዝበፅሖም ስብራት ንምፅን ዘኽእል ኢዩ” ኢሎም።

ሚኒስቴር ፍትሒን ማሕበር ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ሕጊን ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ ዝገበሩዎ ሓገዝ እውን ንወገናት ዘለዎም ኣጋርነት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ዶክተር ይልቃል ገሊፆም።

ሚኒትር ዲኤታ ፍትሒ ኣይተ ፍቓዱ ፀጋ ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፀሖ ሰፊሕ ጉድኣትን ዕንወትን ብሓደ ግዘ ኣስተዋፅኦ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ መንግስቲ፣ መላእ ኢትዮጵያውያንን ሓገዝቲ ትካላትን ኣብ ስራሕቲ ህንፀት መሊስካ ምጥያሽ ንምዕዋት ኣብ ቀፃሊ ብሓር ተሓባቢሮም ክሰርሑ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment