ኢትዮጵያውያን ኣካል መፍትሒ ንክኾኑ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ውሕመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ንፀገም ማሕበረሰቦም ዝኸውን መፍትሒ ዘቕርቡ ንክኾኑ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣፍሊጡ።

ብሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውሕመ ሲማ ባሆስ ዘቲዩ።

እቲ ዘተ፥ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት፣ ዓቕሚ ዝሰኣኑን ደቂ ኣኒስቲዮን ምድጋፍን ሓበራዊ ራእይ ምሓዝን ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያውያን ኣካል መፍትሒ ንክኾኑ ንምኽኣል ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢረን።

እዚ ፃዕሪ ውሕመ ንክድግፍ ዝሓተታ እተን ሚኒስትር፥ እቲ ትካል ብኻልኦት ፕሮግራማት ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ አመስጊነን።

Comments (0)
Add Comment