ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክብረ ወሰን ብምስባር ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዳዊት ወልዴን ኣትሌት ሩቲ ኣጋን ኣብ ውድድር ጉያ ማራቶን ሺያሜን 2025 ሪከርድ ብምስባር ተዓዊቶም፡፡

ኣብ ማራቶን ሺያመን 2025 ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ 2:06:06 በዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቅድም ክብልት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቱ፡፡

ኣትሌት ኣሰፋ ቦኪ ድማ እቲ ውድድር 2፡06፡32 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው 3ይ ደረጃ ሒዙ፡፡

ኣብቲ ውድድር ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሩቲ ኣጋ ሶራ ነቲ ውድድር 2፡18፡46 ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ሓዱሽ ሪከርድ ከምዝሰበረት ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ጉተሜ ሾኔ 2:23:11 ብዝኾነ ሰዓት 2ይ ደረጃ እንትትሕዝ ኣትሌት ፍቅርተ ወረታ 2:23:15 ብዝኾነ ሰዓት 3ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያዊ ዘትሌት ሚልኬሳ መንገሻ ኣብ ቻይና ሆንግ ኮንግ-ዙሃይ-ማካው ድልድል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ተዓዊቱ።

Comments (0)
Add Comment