ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ጒያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ጒያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

ኣትሌት መልክናት ዉዱ ነቲ ውድድር ብ31 ደቒቓን 15 ሴኮንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ወፂኣ።

ኣትሌት ቦሰና ሙላት ድማ ብ31 ደቒቓ 16 ሴኮንድ፣ ሰናይት ጌታቸው ብ31 ደቒቓ 17 ሴኮንድ ብምእታው ብቕደም ሰዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኬኒያዊ ኣትሌት ሳባስቲያን ኪማሩ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።

 

Comments (0)
Add Comment