ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መፃረዪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብፓሪስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 33 ኦሊምፒክ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መፃረዪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን።

ሎሚ ረፋድ ሰዓት 5፡05 ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር÷ ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፋ ክኢለን።

በዚ ድማ ጉዳፍ ፀጋይ 3:58.84 ብዝኾነ ሰዓት፤ ድርቤ ወልተጂ ድማ 3፡59.73 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካብ ከምድብ ሓደን ክልተን ቀዳማይ ብምውፃእ መፃረዪአን ዛዚመን፡፡

Comments (0)
Add Comment