ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍቢሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዕድመ ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም።

ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትር መሐንኩሎ ለይቲ ሰዓት 7፡37 ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ትዕግስት ገሰሰን ንኢትዮጵያ ብምውካል ክሳተፋ ኢየን።

ለይቲ ሰዓት 8፡17 ኣብ ዝካየድ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣትሌት ይበልጣል ጋሻውን ኣብርሃ ገብሩን ክሳተፉ ኢዮም።

ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም ውድድር ክልቲኡ ፆታ ብ800 ሜትሮ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ከምዝካየድ እቲ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ የረድአ።

Comments (0)
Add Comment