ኢትዮጵያውያን ንፀገሞም ብጥበብ መዕለቢ ኣብ ምምፃእ ወነንቲ ልዑል ልምዲ ኢዮም – ሙሳ ፋኪ መሃማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያውያን ንፀገሞም ብጥበብ መዕለቢ ኣብ ምምፃእ ወነንቲ ልዑል ልምዲ ኢዮም” ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማት ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት ‘ኲናት የኣክል፤ ሰላም ነፅንዕ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ሙሳ ፋኪ መሃማት÷ ኣብ ፅባሕ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ዓብዪ ቦታ ዘለዎም በዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ሰላም ምእካብና ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ” ኢሎም፡፡

ኣፍሪካውያን ካብ ዝነበረ ኣጋጣሚ ብክልተ መልክዑ ትምህርቲ ከምዝወሰዱ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር÷ ካብቲ ኲናት ዘጋጠመ ጥፍኣት፤ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ድማ መፍትሒ ምህላዉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያውያን መስካሕኸሓይነት ኲናትን ረብሓ ሰላምን ብዝግባእ ይፈልጡዎ ኢዮም ዝበሉ ሙሳ ፋኪ መሃማት፥ ንፀገሞም ብጥበብ መዕለቢ ኣብ ምምፃእ ወነንቲ ልዑል ልምዲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣህጉር ኣፍሪካ ካብ መሰል ጎንፂታት ክትነፅህ ከምዝግባእን ዝሓበሩ እቶም ኣቦ መንበር፥ ሱዳናውያን እውን ካብዚ ዓብዪ ትምህርቲ ብምውሳድ ጎንፂ ኣወጊዶም ፀገማቶም ብህድኣት ክፈትሑ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎምል፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment