ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ሓሊዮም ዘፅንሕዎ ከብሪ ሓድነት ብምጉልባት ንሰላም ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ሓሊዮም ዘፅንሕዎ ከብሪ ሓድነት ብምጉልባት ንሰላም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት መዓልቲ ህብር ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተ ክህነትን  ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባህርዳርን ከቢቢኡን ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም ሓዱሽ ዓመት ኩሉ ንሰላም ደው ብምባል ፈጣሪ ዝፈትዎ ስራሕ ምስራሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ሰላም፣ ንሓድነትን ኣኽብሮትን ከምኡወን ንምድግጋፍ ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዘለዎ፤ ሓቢሮም።

ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ብንስሃ ዝሓለፈ ይቕረ ብምባል ንዝመፅእ ናይ ፈጣሪ ፍቓድ ንምፍፃም ከንለዓዓል ኣለና ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ፕሬዚዳንት ሼህ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ ብግደኦም፥ ናይ ኩላትና ባህጊ ሰላም፣ ሓጎስ፣ ፍቕሪን ሓድነትን ኢዩ ኢሎም።

ናይ ዝኾነ ይኹን እምነት ሰዓብቲ ሰላም ምርጭኦም ብምግባር ንሰላምን ሓድነትን ቀዳምነት ምሃብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ፅሕፈት ናይ ቤተሰብ፣ ናይ ምእመናንን ናይ መናእሰይን ሃዋሪያዊ ኣገልግሎት ዳይሬክተር ኣባ ኣብነት ኣበበ፤ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንሰላምን ሓድነትን ብምስራሕ ኩሉን ትፅቢት ዝግበረሉ ምውፃእ ከምዝግባኦ ሓቢሮም።

ነይ ኢትዮጵያ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ሕብረት ፕሬዚዳንት ፓስተር ፃድቁ ኣብዶ እንቕበሎ ዓመት ባዕልና ንባዕልና ተኸባቢርና ይቕረ ይቕረ ተባሃሂልና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያን ካውንስል ዋና ፀሃፊ ቄስ ደረጄ ጀምበሩ፥ እንቕበሎ ዓመት ንሃገርን ንህዝብን እወንታዊ ነገር እንሰርሐሉ ክኸወን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ከምኡወን ሃገርና እነገልግለሉን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንሰላም ደው እንብለሉን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ሰባተኛ ቀን ኣድቬንቲስት ቤተክርስትያን ፕሬዚዳንት ፓስተር ታደሰ ኣዱኛ፥ ዝሓለፈ ብምግዳፍ ክፉእ ሓሳብ ብምውጋድ ንባዕኻ ብምርሓቕ ፅቡቕ ምልባስ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ቃለ ህይወት ቤተ-ክርስቲያን ዋና ፀሓፊ ዶክተር ስምኦን ሙላቱ፤ ንዝተወሰኸልና ዓመት ፈጣሪ እናመስገንና ክፍኣትን ተንኮልን ምውጋድ ይግባእ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment