ኢትዮጵያውያን ንኩለ መዳይ ምዕባለ ሃገርና ዝጎድእ HR 6600 ንከይውሰን ብሓደ ልቢ ክሰርሑ ይግባእ – ኣይተ ነጋሲ በየነ

ኣዲስ ኣበበ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ንኩለ መዳይ ምዕባለ ሃገርና ዝጎድእ HR 6600 ንከይውሰን ብሓደ ልቢ ክሰርሑ ይግባእ ከብሉ ተቐማጢ ሜሪላንድ ኣሜሪካን መተሓባበሪ ኖ ሞር HR 6600 ኣብ ኣሜሪካን ኣይተ ነጋሲ በየነ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣይተ ነጋሲ በየነ፥ ውሳነ HR 6600 ንኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዝጎድእ ኢዩ ኢሎም።

HR 6600 “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ምርግጋዕን ንምምፃእ ዝዓለመ ኢዩ” ብዝብል ሽፋን ዋላ ይገለፅ፥ እዚ ኣገላልፃ መመኽኔታ እንበር ውሽጡ ግን ንኢትዮጵያ ዝረብሕ ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።

ንኣብነት ወተሃደራዊ ሓገዝ ንከይትረክብ ይኹን ብገንዘባ ንእትገዝኦ ዝእግድ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገበረ ኲናት ጥሕሰት ፈፂሞም ኢዮም ዝተብሃሉ እንተሃሊዮም ማዕቐብ ክንበረሎም ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝጎድእ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ልእላውነት ኢትዮጵያ ዘንፀላሉ ብምዃኑ ንመነባብሮ ህዝቢ ንፀገም ዘሳጥሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ውሳነ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘበናት ዝፀንሐ ርክብ ዝጎድእ ብምዃኑ ኣብ ድፕሎማሲያዊ ርክብ ፅልዋ ዘሕድር ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን እዚ ንከይውሰንን እንተተወሲኑ እውን ተግባራዊ ንከይግበርን ብምቅዋም ግደኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ነጋሲ፥ ግሎባል ኢትዮጵያን ኣድቮኬሲ ኣክሰስ፣ ኮሚቴ ፐብሊክ ኣፌርስ ኣሜሪካን ኢትዮጵያ፣ ስቪክ ካውንስል ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝበሃሉ ሰለስተ ኮሚቴታትን ካልኦትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብምጥቃም፣ ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ፣ ብቴሌፎን፣ ቮይስ ሜሴጅ ብምልኣኽን ወዘተ መገዲታት እናተጠቐሙ ነቶም ሴኔቴራት ይረኽብዎምን ዝተዛብዐ ኣረዳድኣ ኣብ ምስትኽኻልን ይሰርሑ ኣለዉ።

ክሳብ ሐዚ ካብ 100 ሴኔተራት ነቶም 88 ዘድሊ መልእኽቲ ክበፅሖም ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያውያን ዴያስፖራ ኣብ ለዕሊ ኢትዮጵያ ክውሰን ተሓሲቡ ዘሎ ውሳነ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ተግባራዊ ንከይኸውን ክቃወሞን ኣብ ምግባር ብሓደ ልቢ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንከይበፅሕ ኩሉ ሰብ ሓደ ኮይኑ ክቃወም ከምዝግባእ እውን ምዒዶም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment