ኢትዮጵያውያን ተስፋ ፅባሕ ንዝኾነ ግድብ ህዳሰ ደገፎም ንከጠናኽሩ ኣቦታት ሃይማኖት ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ተስፋ ፅባሕን ሓበራዊ ሃፍትን ኩላትና ንዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝገብርዎ ደገፍ ንከጠናኽሩ ኣቦታት ሃይማኖት ፀዊዖም።

ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ከይዲን እዋናዊ ኩነታተን እቲ ግድብ ተዓዚቦም።

ኣብቲ ከባቢ ብምኻድ ንኢትዮጵያን ነቶም ሰራሕተኛታትን ፀሎት ብምክያድ ባሪኾም።

ሳልሳይ  ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግብብ ብዕዉት መገዲ ምዝዛሙን ሐዚ በፂሑሉ ዘሎ ብርኪ ብምርኣይን ንመላእ ኢትዮጵያዊያን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፥ ኣብነት ምዕባለ ሃገር፣ ልምዓትን ሓድነትን  ዝኾነ እቲ ግድብ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ፃዕሪ ክንገብር ኣለና ኢሎም ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment