ኢትዮጵያውያን ብድምፆም ዝመረፅዎ መንግስቲ እንበር ባምቡላ መንግስቲ ኣይንደልን- ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 2፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ብድምፆም ዝመረፅዎ መንግስቲ እንበር ባምቡላ መንግስቲ ኣይንደልን ክብላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንምውጋዝን ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ንምድጋፍን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ዝተረኸባ እተን ምክትል ከንቲባ መኽፈቲ መደረ ገይረን።

ኣብ መደረአን ድማ ሰላም ብሓደ ወገን ጥራሕ ክርከብ ኣይኽእልን ብምባል፥ ሎሚ እነስምዖ ድምፂ ሽርሒ ጁንታ ዝቃወም ድምፂ ኢዩ፤ ክሳብ መስዋእትነት ሂወት እንኸፍለሉ ድምፂ ኢዩ ኢለን።

100 ሚሊየን ህዝቢ ክድመፅ ይግባእ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ÷ ኢትዮጵያውያን ዝቐበርዎ ኣሸባሪ ጁንታ ህወሓት ካብ ዝሞተሉ ንምትሳእ ዝግበር ፈተነ ደው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪበን።

ቀይሕ መስመር ንክሓልፉ ኣይንፈቅድን እንትብኣ እውን ተዛሪበን።

ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ዘለዎም ደገፍ ብምግላፅ ብኣንፃሩ ድማ ምንቅስቓስ ፀረ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ንምውጋዝ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፥ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም

ወቅታዊ፣ትኩስ እና የተሟሉ መረጃዎችን ለማግኘት፡-
ድረ ገጽ፦ https://www.fanabc.com/
ፌስቡክ፡- https://www.facebook.com/fanabroadcasting
ዩትዩብ፦ https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/
ቴሌግራም፦ https://t.me/fanatelevision
ትዊተር፦ https://twitter.com/fanatelevision በመወዳጀት ይከታተሉን፡፡
ዘወትር፦ ከእኛ ጋር ስላሉ እናመሰግናለን!

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment