ኢትዮጵያውያን ሰገናት ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ሮቦፌስት ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ሰገናት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ  ዓለም ለኸ ውድድር ሮቦፌስት ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ተወዳደርቲ ብደገፍ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፣ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆትን ማእኸል ቴክኖሎጂ ሮቦቲክስ ኣቦጊዳን ብምትሕብባር ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ንምውድዳር ብመሰረት ዝኣተውዎ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላውረንስ ቴክኖሎጂ ሚችጋን ኣብ ዝሳለጥ እቲ ውድድር 23 ሰገናት ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንውድድር ይቐርቡ ኣለዉ።

እቲ ውድድር ካብ 2 ክሳብ 5 ግንቦት 2016 ዓ.ም ዝካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ኢትዮጵያዊያን እንተተዓዊቶም ኣብቲ ዩንቨርስቲ ትምህርቶም ንምቕፃል ዘኽእሎም ናፃ ዕድል ትምህርቲ ከምዝረኽቡ ተሓቢሩ።

 

Comments (0)
Add Comment