ኢትዮጵያዊ ስድራቤት ምስ ትምህርቲ ዘለዎ ምትእስሳር ዘርኢ ፎቶ ተዓዋቲ ብሉፅ ፎቶ ምድሪ እዚ ዓመት ኮይኑ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓደ ኢትዮጵያዊ ስድራቤት ምስ ትምህርቲ ዘለዎ ምትእስሳር ዘርኢ ፎቶ ተዓዋቲ ውድድር ብሉፅ ፎቶ ምድሪ 2021 ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በቢዓመቱ ዝካየድ ውድድር ፎቶ ምድሪ 2021 ተዓወትቲ ዕላዊ ኮይኖም።

ኣብቲ ውድድር ሮዚ ሃላም ዘልዐሎም ናይ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስድራቤት ከይዲ ትምህርቲ ዘርኢ ፎቶ ተዓዋቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሮዝ ሃላም ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘልዐሎም ፎቶታት ከይዲ ትምህርቲ ሰላሙ ማረቆ ዝተብሃለት ሰገን ዘርኢ እንትኸውን፥ እታ ሰገን ካብ ስድራኣ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበቕዐት ከምዝኾነት ዘረድእ ኢዩ።

ከይዲ ትምህርቲ እታ ሰገንን ኩነታት ስድራኣን ዘርእዩ ተዛመድቲ ፎቶታት ተዓዋቲ ፎቶ ምድሪ ዘፈር ሰባት ምዃኑ ዕላዊ ተገይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ካሊፎርኒያ፣ ኣይስላንድ፣ ስፔንን ጋናን ዝተለዓሉ ፎቶታት ምድሪ ተዓወትቲ እቲ ዘፈር ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ብምፅራሕ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ውድድር ፎቶ ምድሪ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 19890ታት ኣትሒዙ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ናይዚ ዓመት ተዓወትቲ ኣብ ለንደን ሮያል ማሕበረሰብ ጂኦግራፊያ ተረኺቦም ሽልማቶም ክቕበሉ ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment