ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሉ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ሎሚ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፀወታታት ኦሊምፒክ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሉ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ሎሚ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ውድድር ሰዓት 4 ፡ 20 ምሸት ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ፣ ሰለሞን ባረጋን ዮሚፍ ቀጄልቻን ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ ውድድር ምፅራይ 5 ሽሕ ሜትሮ ብክልቲኡ ፆታን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዬን ክካየድ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment