ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንሰላም፣ ዕርቂን ይቕሬታን ቀዳምነት ብምሃብ ንክሰርሑ ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንሰላም፣ ዕርቂን ይቕሬታን ቀዳምነት ብምሃብ ንክሰርሑ ኣቦታት ሃይማኖት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ትካላት ሃይማኖት ክርስትና ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ርእስና ክበፅሕ ዘይግበኦ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብዘይምፍፃም ንሰላምን ዕርቅን ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቲ ሓዱሽ ዓመት ሓድነት፣ ይቕረ ይቕረን ሰላምን ዝነገሰሉ ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅድስ ኣቡነ ማቲያስ÷ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላምን ሓድነትን ንክኸውን ተመኒዮም።

ሊቀ ጳጳስ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ብግደኦም÷ ሓዱሽ ዓመት ንምስጋናን ንስሃን እንለዓለሉ፣ ኣእዉራኣዊ ስኽነት እንፈጥረሉ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣመንቲ ወንጌል ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ÷ እቲ ሓዱሽ ዓመት ብቕኑዕ ልቦና ንናይ ሓባር ምዕባለን ሰላምን እንለዓዐሉ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment