ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ሓበራዊ ርክብ ንግዶደን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ሓበራዊ ርክብ ንግዶደን ንምጥንኻር ከምዝተስማዕማዓ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ቦርድ ኢንቨስትመንት፣ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኢስላማባድ፣ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኩባኒያ ፓኪስታን ከምኡ እውን ምስ ተወከልቲ ትካል ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ዝኾነ ኢስላማባድ ምስ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ንግዲ ንምስራሕን ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎም ድሌት ኣርኢዮም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ብግደኦም፥ ነጋዶ ፓኪስታን ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ቪዛ ከምዝውቀዐሎምን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ በረራ ንምግባር ኣብ ምድላው ከምዝኾነን ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment