ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ዘለወን ኩለመዳይ ርክብ ንምምሕያሽ ከምዝተስማዕምዓ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብ ፑንትላንድ ሚኒስቴር ገንዘብ ሞሃመድ ፋራህ ሞሃመድ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ መንግስቲ ፑንትላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ሰላማዊ መረፃ ብምንኣድ፤ ኢትዮጵያ ምስ ፑንትላንድ ዘለዋ ኩለመዳይ ምትሕብባር ንምጥንኻ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ልኡኽ ፑንትላንድ ብግድኡ÷ ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ዝፀንሐ ሕውነታዊ ርክብ ከምዘለወን ኣልዒሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ዓውዲ ፀፅታን ትምህርቲን ሓገዝ እናገበረት ምዃና ዝገለፀ እቲ ልኡኽ÷ ኣብ ፑንትላንድ ዝተመረፀ ሓዱሽ መንግስቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዎ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment