ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካን መፍረያይነት ስርናይ ንምምሕያሽ ዝውዕል ስምምዕነት ልምዓት ሓገዝ 84 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕነት÷ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚነስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ፤ ንፈንድ ልምዓት ኣፍሪካን ብምውካል ድማ ምክትል ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብዱል ካማራ (ዶ/ር) ፈሪሞምዎ፡፡
ካብ ሞንጎ እቲ ሓገዝ ልምዓት 54 ሚሊየን ዶላር ካብ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ፣ 20 ሚሊየን ዶላር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድስ፣ 10 ሚሊየን ዶላር ኦ ሲ ፒ ኣፍሪካ ካብ ዝተባህለ ትካል ከምኡ እውን ዝተረፈ 300 ሺሕ ዶላር ግሎባል ሴንተር ፎር ኣዳብቴሽን ካብ ዝተብሃለ ትካል ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ፈንድ ልምዓት ኣብ ትሑት ልምዓት ሕርሻ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ስርናይ ሓረስቶት መፍረያይነት ንምምሕያሽ ዝውዕለ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
እዚ ጋህዲ ንምግባር ምስቲ ከባቢ ዝስማዕማዕ ፍርያት ስርናይ ንምፍራይ፣ መሰረተ ልምዓትን ምትእስሳር ዕዳጋን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፕሮጀክታት ንምምሕዳር ዝውዕል ሓገዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ሓገዝ ብፍላይ ጠለብ ስርናይ ውሽጢ ሃገር ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምምላእ ዘግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ እንትኸውን÷ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com