ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብሓባር ንምስራሕ ተፈሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክእለትን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ንምሕጋዝ ናይ ተግባር ስምምዕነት ተፈሪመን።

እቲ ትግበራ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌዝ ተፈራሪሞምዎ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት፥ ጣሊያን ብድምሩ 12 ሚሊየን ዩሮ ማለት እውን 10 ሚሊየን ዩሮ ልቓሕን 2 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገንዘብ ከምትገብር ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስምምዕነነት ምስ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ጣሊያን ልውውጥ ልምዲ ብምግባርን ክእለት እቲ ዓውዲ ብምድንፋዕ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዘሳተፈ ዕድል ስራሕን ምትእስሳር ዕዳጋን ንምፍጣር ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

በቢዓመቱ ናብ 2 ሚሊየን ዝፅግዑ ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ንዝግበር ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ምግላፁ ሃብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment