ኢትዮጵያን ጣሊያንን ብፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ፋሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ብፓርክ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ፋሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲዮኖ ፓሌሴ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍርያት፣ ፅርየትን ተወዳዳሪነትን እቲ ዓውዲ ክብ ብምባል ምዕራፍ እቲ ለውጢ ብምቅልጣፍ ናይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ መነሃሪያ ናይ ምዃን ዝለዓለ ትልሚ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ትልሚ ንምዕዋት እውን ኣርባዕተ ዝተዋደዱ ኣግሮ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ከምዝተሃነፁ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲዮኖ ፓሌሴ በግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ዓሙይቕ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ከምዘለወን ተዛሪቦም።

እቲ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ናብ ተግባራዊ ርክብ ኢኮኖሚ ምቕያር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment