ኢትዮጵያን ጋቦንን ኣብ ምክልኻል ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ኣብ ምስራሕ ጠሚተን ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ዋና ፀሓፊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ጋቦንን ኣቦ መንበር ኮሚቴ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሪካ ብ/ጄ ኢቲየን ማዳማ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኢትዮጵያን ጋቦንን ኣብ ምክልኻል ዶብ ተሳገርቲ ገበናት፣ ኣብ ልውውጥ ሓበሬታን ህንፀት ዓቕሚን ብሓባር ከሰርሓ ኣብ ዝኽእላሎም ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡

ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል÷ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ትካል ኮሚቴ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሪካ ጥንኩር ርክብ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ብ/ጄ ኢቲየን ማዳማ ብግደኦም÷ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ዓቕሚ ምስ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ክልቲኦም ወገናት እቲ ሕቶ ተግባራዊ ንምግባር ሰነድ ስምምዕነት ንምፍርራም ከምዝስማዕምዑ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment