ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ዓውዲ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ፡፡

ዶክተር ኣለሙ ስሜ ኣብ ጅቡቲ ፃንሒቶም ምስ ሚኒስትር መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ሃሰን ኢብራሂም ተዛትዮም፡፡

ዶክተር ኣለሙ ስሜ÷ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ድልውቲ ምዃና ተዛሪቦም፡፡

ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ጉዳያትን ጥንኩርን ንዞባ ምብረወቕ ኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዶብ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖትን ባህሊን ከምዝወሓሓስ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ” ኢሎም፡፡

ብኻልእ ወገን ጅቡቲ መተሓላለፊት መገዲ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ምዃና ተተሓሒዙ፤ ኣብቲ መገዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ብሓባር ምፍታሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትር መሰረተ ልምዓት ጅቡቲ ሓሰን ኢብራሂም ብግደኦም÷ ጅቡቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝተመስረተ ከምዝዝኾነን ኣብ መሰረተ ልምዓት ይኹን ካልኦት ጉዳያት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጠናኽሩ ዓውድታት ብሓባር ንምስራሕ ድልው ከምዝኾኑን ገሊፆም፡፡

ብኣዲስ ታምራት

Comments (0)
Add Comment