ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘጣየሸኦ ምምሕዳር ኮሪደር ኣገልግሎት ወደብ ቅልጡፍ ንኽኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘጣየሸኦ ምምሕዳር ኮሪደር ኣገልግሎት ወደብን ትራንስፖርትን ቅልጡፍ ንኽኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ከምዝገለፁ÷ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ናይ ኣሰራርሓ ዘይምቅልጣፍፈ እንተጋጢሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንትን ተወዳዳራይነትን ልዑል ፅዕንቶ ኣለዎ።

ናብ ሃገር ዝኣትዉን ናብ ወፃኢ ዝለኣኹን ፍርያታት ብወገን ወደብ ጅቡቲ ከምዝሓልፉ ብምሕባር፤ ኣገልግሎት ወደብ ቅልጡፍ እንተዘይይኑ ፍርያታት ወፃኢ ዕዳጋ ናይ ምውድዳር ከይዲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝካየድ ንግዲ ብዝተቐላጠፈን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ንምክያድ ሓበራዊ ምምሕዳር ኮሪደር ንምጥያሽ ስምምዕነት ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ተረፍ ስራሕቲ ተራኢዮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ብምግባር ጉዳይ ምሕደራ ሓበራዊ ኮሪደር ንምዝዛም ተስማዕሚዕና ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ቱሪዝምን ጅቡቲ ኣሊ ዳውድ ኣብዱ ብግደኦም÷ ቅድሚ ክልተ ዓመት በዓል መዚ ምምሕዳር ኮሪደር ንምጥያሽ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ገሊፆም፡፡

በዓል መዚ ምምሕዳር ሓበራዊ ኮሪደር ምጥያሽ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝስርሑ ስራሕቲ ነተን ሃገራ ብምውካል ኣገልግሎት ወደብ፣ ትራንስፖርትን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ቅልጡፍ ንኽኸውን ከምዝገብር ተሓቢሩ፡፡

ብየሻምበል ምህረትን ታሪኩ ለገሰን

Comments (0)
Add Comment