ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ሰዒድ ሓሰን ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ድማ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተብኣአሰ ዝመፅአ ዘይሕጋዊ ስደት ምንካይ ኣብ ዝከኣልሎም ጉዳያት ጠመተ ሂቦም፡፡
እቲ ኤምባሲ ምስ ኣካላት ፀጥታ ጅቡቲ ብምዉዳድ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ሰባት ንምክልኻልን ኣብ መርበብ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ግቡእ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድን ምዝታዮም ተገሊፁ፡፡
ብተወሳኺ ዜጋታት ኣድላዪ ከለላ ሕጊ ንክረኽቡ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝመፅኡ ዜጋታት ዘጋጥሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምእራም ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምዝታዮም ካብቲ ኤምባሲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡