ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ምስ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዲ ማሕሙድ ኢያቤን ዘትየን።
ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ከምዘለወን ወይዘሮ ዳግማዊት ኣዘኻኺረን።
“ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሕ መዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ጥንኩር እዩ” ክብላ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።
ብፍላይ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ኣቬሽን ዝሃነፀኦ ፅኑዕ ምትእስሳር ንዞባና እውን ዓብዪ ዓቕሚ እዩ ክብላ ዝሓበራ ወ/ሮ ዳግማዊት፥ እዚ ድማ ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣስሚረናሉ።
ኣምባሳደር ኣብዲ መሓሙድ ኢያቤ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን መዳያት ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ልዑል ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።