ኢትዮጵያን ጅቡቲን ትሕዝቶ ግልጋሎታት መገዲን ወደብን ከምኡ እውን ጣቢያታት መዕረፊ መኪናን ንምምሕያሽ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጅቡቲን ትሕዝቶ ግልጋሎታት መገዲን ወደብን ከምኡ እውን ጣቢያታት መዕረፊ መኪናን ንምምሕያሽ ተስማዕሚዐን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣበው ጅቡቲ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ናፃ ዞባዊ ንግዲ ወደባት ጅቡቲ ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ብርሃኑ ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራት ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ናይ ፍጥነት መገዲ ዳኪሊ-ዳጉሩ ብቕልጡፍ ክዛዘም ከምዝግበኦ ተዛሪቦም።

ክልቲኦም ወገናት ዝተረፈ 80 ኪሎ ሜትሮ ህንፀት መገዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምጅማር ዝከኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ በፂሖም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓፈሻዊ ወደብ ዶራሌን ተርሚናል ኮንቴነር ጅቡቲን ምስ ባቡር ሃዲድ ኢትዮ-ጅቡቲ ብምርኻብ ዓቕሚ ግልጋሎት ወደብ ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ሓሳብ ተለዋዊጦም፡፡

ብወገን ጅቡቲ መከፋፈሊ ነዳዲ ሆራይዘንን ኣብ ኣዋሽ ዝርከብ መኸዘኒ ነዳዲ ዝኸውን መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment