ኢትዮጵያን ጃፓንን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩሉ ጉዳይ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኤምባሲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩሉ ጉዳይ ዘቲዮም።

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፥ እተን ሃገራት ኣብ ዘፍር ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝጀመረኦ ምሕዝነት ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፆም፡፡

ጃፓን ዋላ ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት እናተፈተነት ይኹን ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባራ ብምምስጋን፤ ኣብ ቀፃሊ ንጃቃን ናይ ብርሃን ዘበን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ካብ ኣፍሪካ ወፃእ ኣብ ምኽባር ሰላም ምስታፍ እምበር ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ሉኣላዊነት ከምዘይትደፍር ዝገለፁ ዶክትር ነገሪ፥ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ግን ብድፍኢት ህዝቢ ዝመፅአ ለውጢ ዝፈታተኑ ወፍሪታት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢ ሃገርን እናተርኣዩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ይኹን ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዋ ግልፂ ቅዋም ተረዲኣ ንኻልኦት ኣካላት ክፈልጡ ኣብ ምግባር ምሕዝነታ ንኽተርኢ ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ብግደአን፥ ሃገረን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝገጥሙዋ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ካብ ዝተፈጠረ ዕንወት ትምህርቲ ብምውሳድ ጠንኪራ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፀን፡፡

በሌላ በኩል አማባሳደሯ ሰሞኑን በትግራይ ክልል ያለውን ነባራዊ ሁኔታ ለማጣራት ወደ ስፍራው ማምራታቸውን ገልጸው፤ የኢትዮጵያ መንግስት እና አለም አቀፍ ለጋሾች የተፈጠረውን ችግር ለመቅረፍ እያደረጉ ያለውን ጥረትም አድንቀዋል

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ንምፅራይ ናብ ክልል ትግራይ ከይደን ከምዝነበራ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይን ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪ ንኢደን፡፡

መንግስቲ ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ንምግቢን ኣገልግሎት ሕክምናን ሓዊሱ ንካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ብር 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሓገዝ ምግባሩን ኣብ ቀፃሊ እውን ነቲ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን እተን ኣምባሳደር ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment