ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ጉዳይ ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ “ኢትዮጵያን ጅቡቲን ታሪኻዊን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብን ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ብምሕባር፤ ብባህሊን ቋንቋን እውን ሓበራዊ ሓድነት ዘለዎም ኣሕዋት ህዝቢታት ኢዮም” ኢሎም።

ጥምር ኮሚቴ ሰራዊት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት ብስትራቴጂክን ቴክኒክን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ንምርግጋፅ ቀጠናዊ ሰላምን ፀፅታን ዓቢዪ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ጂቡቲ ጀኔራል ዘካሪያ ሼኽ ኢብራሒም ብግደኦም፥ ቅድም ክብል ፖሊስ ፌዴራል ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶብ ከባቢ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓባር ንምክልኻል ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ገሊፆም።

ቅድሚ ሕዚ ወታደራት ጂቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ስልጠናታት ከምዝወሰዱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ስግግር ፍልጠት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሩ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

9ይ ኣኼባ ላዕለዎት ኢታማዡር ሹማት ምክልኻል ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ተኻይዱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment