ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብዓውዲ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘለወን ሽርክና ንምጥንኻር ተስማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብዓውዲ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘለወን ሽርክና ንምጥንኻር ተስማሚዐን።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ግጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ዑደት ስራሕ ዝገበረ እንትኸውን፥ ክልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘለወን ሽርክና ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቴሌኮም ንምምሕያሽ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ብዙሓት ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊ ኩባኒያታት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘለዎም ባህጊ ምርኣዮም ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኢትዮ-ቴሌኮም ስትራቴጂካዊ ሽርክና ንክህልዎ 40 ሚኢታዊ ብፅሒቱ ንሽይጣት ንክቐርብ መንግስቲ ከምዝወሰነን ነዚውን ምድላው ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ግዳያት ፖስታን ኮሙዩኒኬሽን ጂቡቲ ሬድዋንኣብዱላሂ ባህዶን ብግድኦም፥ መንግስቲ ጂቡቲ ዓውዲ ቴሌኮም ብምጥንኻርን ምዝማንን
ምብራቅ ኣፍሪካ ማእኸል ቴክኖሎጂ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment