ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያ ኣብ ንቢዝነስን ኢንቨስትመንት ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ሲዩኪሄ ተዛቲዮም።
እቲ ልዝብ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎን ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐን ርክብ ኣብ ቢዝነስን ኢንቨስትመንት ምጥንካር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያ ዘሎ ነባር ርክብ ብደምን አዕፅምቲን ዝተመስረተ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም፡፡
እዚ ብዝበለፀ ንምጥንካር ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ሲዩኪሄ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያ ዘሎ ርክብ ካብ ታሪኽ ሓሊፉ ናብ ዕቤት፣ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ክዓቢ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ፓርክታተ ኢንዲስትሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ብምስታፍ ምስ ኢትዮጵያ ቀንዲ መሓዛ እቲ ዓውዲ ኮይኖም ክቕፅሉ ከምዝደልዩ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com