ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘለወን ርክብ ዘጠናኽራሉ እዋን ሕዚ ኢዩ – ምክትል ኣቦ መንበር ፓርቲ ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘለወን ርክብ ዘጠናኽራሉ እዋን ሕዚ ኢዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳንን ምክትል ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ሱዳንን (ኤስ ፒ ኤል ኤም) ፕሮፌሰር ዶኮተር ጀምስ ዋኒ ኢጋ ገሊፆም።

ምክትል ኣቦ መንበር ኤስ ፒ ኤል ኤም ፕሮፌሰር ዶክተር ጀምስ ዋኒ ኢጋ ኣብ መኽፈቲ ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘመሓላለፉኦ መልእክቲ፥ “ፖለቲካዊ ፀገም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝሓገዘትና ቀንዲ ፈታዊት ሃገር ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ኢያ፤ ኢትዮጵያ እንተዘይትሕግዘና ነይራ ምናልባት እውን ደቡብ ሱዳን ሃገር ዘይክትከውን ትኽእል ነይራ ኢያ” ኢሎም።

የየኤስ ፒ ኤል ኤምን ፓርቲ ብልፅግናን ሓቀኛ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ቀፃሊ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment