ኢትዮጵያን ዮርዳኖስን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ምስ ሚኒስትር ቱሪዝም ዮርዳኖስ መክራም ሙስጠፋ ተዛቲየን፡፡

ኣምባሳደር ናሲሴ÷ ኢትዮጵያን ዮርዳኖስን ብታሪኽ፣ ብባህሊን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰራ ሃገራት ከምዝኾና ኣልዒለን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ጥማራት ቱሪዝም ብምስንዳእ ብሓባር ምስራሕ ከምዝተስማዕምዓ ገሊፀን።

መክራም ሙስጠፋ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ተፈጥሮን ፅባቐን ዝርከበላ ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያን ዮርዳኖስን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕመዐን ንህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትራት ኣብቲ ዓውዲ ሓይሊ ሰብ ንምብቃዕ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment